ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ኽሲ ኳታር ነፂጋቶ…

መቐለ ሓምለ 10/2009(ድወት) ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንማዕኸን ዜና ኳታር ጨዊያ ተባሂሉ ዝነበረ ኽሲ ነፂጋቶ።

ንሓለፍቲ ስራሕ ድሕንነት ኣሜሪካ ፀሪሑ ዝፀሓፈ ዋሽንግተን ፖስት ግና 23 ግንቦት ነባር ኣባላት መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ማዕኸን ዜና ኳታር ንምጭዋይ ዝሕግዞም ትልሚ ዝምልከት ዘትዮም’ዮም ይብል።

ካብዚ ብዝሰገረ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ሓዊሱ ሃገራት ዓረብ ኣብ 2022ዓ.ም.ፈረንጂ ዝካየድ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ኳታር ከይካየድ ናብ ፊፋ ደብዳበ ፅሒፈን እየን ዝብል ጠቐነ ትኽክል ኣይኾነን ክብሉ ሓቢሮም።

እዚ ጠቐነ ኳታር ምስ ጎረባብታ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክሕርፍፍ ምኽንያት ኾይኑ’ዩ።

ነዚ ስዒቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ኣንዋር ጋርጋሽ እቶም ዝተብሃሉ ነገራት ኩሎም ሓሶት’ዮም ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ማዕኸን ዜና’ውን ብዘይተፈለጠ ኣካል ተጨውዩ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላፅ እቲ ኽሲ ነፂጐምዎ።

ሃገራት ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ፣ ባሕሬን፣ ስዑዲ ዓረቢያን ግብፅን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ኳታር ንኣሸበርቲ ትሕግዝ እያ ብዝብል ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዝበተኸ ይዝከር። (ቢቢሲ)