ኢትዮጵያ ዓውዲ ዓለባ ንምዕባይ ትሰርሕ ኣላ ኤዥያ ረቪው

መቐለ ሓምለ 10/2009(ድወት)ኢትዮጵያ ማእኸል ዓውዲ ማኒፋክቸሪንግ ዓለባን ኣልባሳትን ንምኻን ብቕልጡፍ ትዓቢ ኣላ ክብል ኤዢያ ረቪው ዝተብሃለ ድረ-ገፅ ፀብፂቡ።

ነዚ ስዒቡ ዓለምለኸ ሰብ ሃፍቲ ሃገራት ቻይና፣ ደቡብ ኮርያ፣ ህንድን ካልኦትን ኣብ ኢትዮጵያ ብምውፋር ይሰርሑ ከምዘለው ሓቢሩ።

ዓውዲ ዓለባን አልባሳትን ኣብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ይዓቢ ዘሎ ዓውዲ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ድረ-ገፅ ምስ ጎረቤት ሃገር ጅቡቲ ብቐጥታ ዘራኽባ መንገዲ ባቡር ምህናፃ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ክዓቢ ከምዝሓገዛ ሓቢሩ።

እቲ መንገዲ ባቡር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትሃንፆም ናብ ዘላ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ኣቑሑ ብቕልጡፍ ንምምልላስን ኣታውን ወፃእን ንግዲ ንምዕባይን ከምዝሕግዝ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ አብ 2015ዓ.ም.ፈረንጂ ዝሃነፀቶ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኣብ ስራሕቲ ምፍራይ ዓለባን ኣልባሳትን፣ ቆርበት ጫማ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ሃገራት ታይዋን፣ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ምምፃእ ከምዝኽኣለት ኤዢያ ረቪው ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምህርታት ቡን፣ ወርቅን ቆርበትን ሰደድ ትገብር ዋላ’ኳ እንተኾነት መንግስቲ ንዕብየት ዓውዲ ኢንዳስትሪ ዝሃቦ ቆላሕታ ስዒቡ ግና ናብ ምህርታት ኢንዳስትሪ ትሰጋገር ኣላ ክብል ፀብፂቡ።

ኣብ 2025 ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራተ ንምስራዕ ትሰርሕ ዘላ ኢትዮጵያ ናብ ዕዳጋ ሃገራት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ፍርያቶም ዘቕርቡ ሰብ ሃፍቲ ምስሓብ ከምዝኽኣለት ኣመልኪቱ። (ኤዢያ ረቪው)