ቁጠባዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ ክበልፅ’ዩ

መቐለ ሓምለ 10/2009(ድወት)ቁጠባዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት ንሃገራት ኣፍሪካ በሊፁ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ’ዩ ኢሉ ባንኪ ዓለም፡፡

ትምብያ ባንኪ ዓለም ከምዘመልክቶ ንኢትዮጵያ ስዒበን ታንዛንያ፣ ኮትዲቭዋርን ሰኔጋልን ብቅደም ስዓብ ዝስርዓ ሃገራት’የን፡፡

ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ8.3 ሚኢታዊ
ቁጠባ ታንዛንያ ብ7.2
ቁጠባ ኮትዲቭዋር ብ6.8 ከምኡ’ውን ቁጠባ
ሰኔጋል ብ6.7 ሚኢታዊ ክዓቢ’ዩ ተባሂሉ’ሎ

እዘን ሃገራት ንምስፍፋሕ መሰረተ ልምዓት መፍረያይነት ሕርሻን ዝሃበኦ ጠመተን ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕን መሰረት ዕቤተን ከምዝኮነ ገሊፁ፡፡

ኣብዝሓ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብዚ ዓመት ብ2.6 ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብ3.2 ሚኢታዊ ቁጠባዊ ዕቤት ከምዘመዝግባ ቅድመ ትንበያ ዘቀመጠ ባንኪ ዓለም ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪካ ዘጋጥም ዘሎ ድርቂ ምክንያት ምንካይ መፍረያይነትን ፀገም ምርግጋፅ ውሕስነት መግብን ክኸውን ከምዝክእል ሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ’ውን ብተመሳሳሊ ቁጠባ ኢትዮጵያ ንቁጠባ ኬንያ ከምዝበለፀ ምግላፁ ይዝከር ኣብ መንጎአን ዘሎ ቁጠባዊ ዕቤት 29 ሚልዮን ዶላር ኣፈላላይ ከምዘለዎ ብምጥቃስ በዝሒ ህዝቢ ኢትዮያ ካብ ኬንያ ብዕፅፊ ዝዛየደ ብምኳኑ እቲ ኣፈላላይ ንቁጠባዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎ ገሊፁ ባንኪ ዓለም፡፡ዋልታ