ቤት ምኽሪ ከተማ ዓድዋ ልዕሊ 188ሚልዮን ቅርሺ በጀት ኣፅዲቑ…

መቐለ ሓምለ 09/2009(ድወት) ቤት ምኽሪ ከተማ ዓድዋ ንመደባት በጀት ዓመት 2010 መፈፀሚ ዝውዕል ልዕሊ 188ሚልዮን ቅርሺ በጀት ኣፅዲቑ።

መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ ዘካየደ ቤት ምኽሪ ከተማ ዓድዋ በጀት ዓመት 2009 ኣብ ክትትልን ፅሬትን ሰሌጠንን ፕሮጀክታት ልምዓት ከምኡ’ውን እቶም ስራሕቲ ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ክሰርሑ ምግባር ፅቡቓት ስራሕቲ ምንባሮም ተሓቢሩ እዩ።

ኣብ ጣብያታት ዘለዉ ፀገማት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ወሪድካ ኣብ ምፍታሽን ንዝረኣዩ ፀገማት ቅልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብን ሕዚ’ውን ሕፅረታት ከምዘለዉ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዝስርሑ ስራሕቲ ዘድመፀ ቤት ምኽሪ ከተማ ዓድዋ ነቶም መደባት መፈፀሚ ዝውዕል ልዕሊ 188.2ሚልዮን ቅርሺ ኣፅዲቑ ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።