ፈረንሳይ ወጥሪ ወሽመጥ ዓረብ ክፍታሕ ፃዕሪ ክትገብር እያ…

መቐለ ሓምለ 09/2009(ድወት) ፈረንሳይ ኣብ መንጐ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣጋጢሙ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ብዘተ ክፍታሕ ፃዕሪ ከምትገብር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ጂያን ይቫስ ሊ ዲርያን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ነዚ ዝገለፁ ምስ መዘንኦም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኳታር ሼኽ መሓመድ ቢን ዓብዱል ራሕማን ኣልታኒ ኣብ ዶሃ ተራኺቦም ኣብዚ ጉዳይ ምስ ተዛተዩ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ሊ ዲርያን ኣብቲ እዋን ንጋዜጠኛታት ከምዝበልዎ ኣብ መንጐ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጠረ ዘይምቅድዳው ብዘተን ዲፕሎማስያዊ መንገድን ንምፍታሕ ብወገን ኩዌት ዝተጀመረ ፃዕሪ ፈረንሳይ ትገብሮ ሓገዝ ልዑል እዩ።

ፓሪስ ብኩዌት ዝተጀመረ ፃዕሪ ሽምግልና ዘድሊ ሓገዝ ትገብር እያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገሮም ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዝተፈጠረ ግዝያዊ ዘይምርድዳእ የተሓሳስባ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዲያን ይቫስ ሊ ዲርያን ካብ ኳታር ቐፂሎም ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝታይ ናብ ሃገራት ስዑዲ ዓረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስን ብምኻድ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።