ተመራመርቲ ብጣዕሚ ዝነኣሰት ኮኸብ ረኺቦም

መቐለ ሓምለ 06/2009(ድወት)ኣብ ዓለም እታ ብጣዕሚ ዝነኣሰት ኮኸብ ተረኺባ።

እታ ኮኸብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዝመርሖም ጉጅለ ተመራመርቲ ስነ ኸዋኽብቲ ከምዝረኸብዋ ተገሊፁ ኣሎ።

እዛ EBLM J 0555-57Ab ዝተብሃለት ኮኸብ ናይ ኒዩኒየል ሃይድሮጅን ውህደት ብምቕያር ብርሃንን ሙቐትን ዘምፅእ ኸይዲ ብምሓዝ ኣብ ውሽጡ ድፍኢት ስሕበት ክፍጠር ዝገብር ዓቕሚ ኣለዋ።
ካብ ጅፒተርን ሳተርንን ዝነኣሰ ኮኸብ ኣሎ ኢልኻ ምሕሳብ ዝገርም’ዩ ክብሉ ድማ እቶም ተመራመርቲ ገሊፆም።

ፀሓይ ካብ ሰማይ 700ሽሕ ራዲየስ ርሒቓ ትርከብ ኾይና እዛ ሓዳሽ ኮኸብ ድማ 49ሽሕ ራዲየስ ርሒቓ ከምትርከብ ተገሊፁ ኣሎ።

(ዩሮ ኒውስ)