ክልተ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ክምረቑ’ዮም

መቐለ ሰነ 29/2009(ድወት)ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝቕፅሉ ቐዳመ ሰናብቲ ክልተ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ክተመርቕ እያ።

ፓርክታት ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻን መቐለን ኾይኖም ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ 01ሓምለ 2009ዓ.ም እንትምረቕ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ 02ሓምለ ክምረቕ’ዩ።

እቶም ፓርክታት ኢንዳስትሪ ኢንቨስተራት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኣብ ምስሓብ ንኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኾይኑ እዚ ብተግባር ንምፍፃም ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ መኮንን ሃይሉ ገሊፆም።

ካብ 15 ክሳብ 30ሚኢታዊ እቶም ፓርክታት ኢንዳስትሪ ብሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተሓዙ ኾይኖም መፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዓለምለኸ ኩባኒያታት ብምውድዳር ፅሬት ዘለዎ ምህርቲን ስርዓት ዕዳጋን ኣብ ምህናፅ ተወዳደርቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ከምዘመረቐት ዝዝከር’ዩ።