መድሓኒት ፀረ ኤች.ኣይ.ቪ ዶሉተራቭየር-ኣብ ኬንያ…

መቐለ ሰነ 23/2009(ድወት)ኬንያ ሓድሽን ዘመናውን መድሓኒት ፀረ ኤች.ኣይ.ቪ ብምጥቃም ፈላመይቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ክትኸውን እያ ተባሂሉ።

እዚ ዶሉተግራቭየር ወይ (DTG) ብዝብል ዝፍለጥ ፀረ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ 2013ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ረብሓ ክውዕል ኣብ ኣሜሪካ ተቐባልነት ዝረኸበ እንትኾን 27ሽሕ ኣብ ደሞም ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ኬንያውያን ክጥቀምሉ ክግበር እዩ።

ኣብ ኬንያ ኣስታት 1ሚልዮን ኣብ ደሞም ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ወገናት ተጠቀምቲ መድሓኒት ፀረ ኤች.ኣይ.ቪ (ART) እንትኾኑ ብርክት ዝበሉ ድማ እዚ ግልጋሎት ከምዘይረኽቡ መደብ ምቁፅፃር ኤድስ ኬንያ ይገልፅ።

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቑፅሪ ሓድሽ ረኽሲ ኤች.ኣይ.ቪ ብዕፅፊ ከምዝወሰኸን በብዓመቱ ኣስታት 80ሽሕ ሰባት ተቃላዕቲ ከምዝኾኑን ተገሊፁ።

ስለዚ እዚ ሓድሽን ዘመናውን መድሓኒት ፀረ ኤች.ኣይ.ቪ (DTG) ህልው ኹነታት ዝርገሐ ኤች.ኣይ.ቪ ኬንያ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ሓጋዚ ግደ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።(ኣፍሪካ ኒውስ)

ትካል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች.ኣይ.ቪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UNAIDS) ክሳብ 2020ዓ.ም ፈረንጂ 90ሚኢታዊ ኣብ ደሞም ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ወገናት ግልጋሎት ክንክንን ሕክምናን ክረኽቡ ዓሊመ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ ይብል።