ተመራመርቲ ቐፃሊ ስግኣት ዓለም ዝኾነ ቐጠና ዕላዊ ገይሮም…

መቐለ ሰነ 16/2009(ድወት) ኣብ ቐፃሊ ንዓለም ስግኣት ክኾኑ ዝኽእሉ ቫይረሳት ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዝርከቡ ተመራመርቲ ገሊፆም።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ኣሊያንስ ኢኮ ሄልዝ ኣብ እንስሳት ዝርከቡ ተሃዋስያን ናብ ደቂ ሰባት ከመይ ይመሓላለፉ ዝብል መፅናዕቲ ኣካይዱ ኣሎ።

ለዃኺቶ ድማ ካብቶም ካልኦት መጥበውቲ እንስሳት ንምትሕልላፍ ሕማማት ስግኣት ከምዝኾነት ኣቐሚጡ።

እዚ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣብ ቐፃሊ ሕማማት ኤች.ኣይ.ቪ፣ ኢቦላን ካልኦት ተመሓላላፍቲ ሕማማትን ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ሰብ ሙያ እቲ መፅናዕቲ ገሊፆም።

መብዛሕትኦም ኣብ ዓለም ዝተጋፍሑ ሕማማት ብእንስሳት ኣቢሎም ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ብምዃኖም እቶም ሰብ ሙያ መፅናዕቲ ን754 እንስሳት ዘጥቅዑ 586 ቫይረሳት ኣብ መፅናዕቶም ዝረኣዩ ኾይኖም ሰብን እንስሳን እናጥቅዑ ምምፅኦም ድማ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ መብዛሕትኦም ተመሓላለፍቲ ዝኾኑ ቫይረሳት ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዝርከቡ ብምግላፅ “ሓደገኛ ዞባ” ክብሉ ድማ ገሊፆማ። (ቢቢሲ)