ኣብ ኢራን ፕረዝደንታዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ…

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ልዕሊ 54ሚሊዮን ሰባት ክመርፁ ትፅቢት ኣብ ዝተገበረሉ መረፃ ኢራን ፕረዝደንት ሓሰን ሮውሃኒ ምስ ኻልኦት 3ተ ሕፁያት ክነሓንሑ’ዮም።

ካብቶም ቐሪቦም ዘለው ሕፁያት 50ሚኢታዊ ድምፂ ዘይረኸበ እንተሃልዩ ኣብቲ ዝቕፅል ሰሙን መፍለይ መረፃ ክካየድ’ዩ።

ሚኒስቴር ውሽጢ ዓዲ ኢራን ልዕሊ 65ሽሕ ናቑጣታት መረፃ ከምዝተዳለዋን ፅባሕ ቐዳም ውፅኢት እቲ መረፃ ዕላዊ ከምዝኸውንን ሓቢሩ።

ንመረፃ እታ ሃገር 6ተ ሕፁያት ቐሪቦም ነይሮም፤ ይኹን’ምበር እቶም ክልተ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኾይኖም’ዮም።

ካብ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓን እስራኤልን ዝመፁ ሰበ ስልጣን ፕረዝደንታዊ መረፃ ኢራን ንምዕዛብ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ እውን ፀብፃባት ይገልፁ።