ታንዛንያ ኤች.ኣይ.ቪ ንምክልኻል ንምቁፅፃርን ካብ ኣሜሪካ ሓገዝ ረኺባ…

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ኣሜሪካ ታንዛኒያ ኣብቲ ዝቕፅል ዓመት ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምቅላስ ዝሕግዛ 526ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቓ።

ኣስታት 1.4ሚሊዮን ዜጋታት እታ ሃገር ምስቲ ቫይረስ ይነብሩ ተባሂሉ ከምዝግመት ዝገለፁ ፀብፃባት ካብዚኦም እቶም 850ሽሕ ተጠቀምቲ ፀረ ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ዜጋታት ታንዛኒያ ተጠቀምቲ መድሓኒት ቫይረስ ኤች.ኣይ.ቪ ክኾኑ ከምዝሕግዝ ድማ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ታንዛኒያ ገሊፁ።

ካብዚ ብዝሰገረ እቲ ብኣሜሪካ ዝፀደቐ ሓገዝ ገንዘብ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ወለዶም ንዝሰኣኑ ህፃናትን ተጠቃዕቲ ህፃናትን ንምሕጋዝ ከምዝውዕል እቲ ኤምባሲ ብተወሳኺ ገሊፁ። (ኣፍሪካ ኒውስ)