ኢትዮጵያ ኣባል ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓትን ኤዥያ ኾይና

መቐለ ግንቦት 06/2009(ድወት) ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓትን ኤዥያ ንኢትዮጵያ ብኣባልነት ተቐቢሉ፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ጃንሊቹን ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝዛተይሉ እዋን “ኢትዮጵያ ኣባል ባንኪ ኢንቨስትመንትን መሰረተ ልምዓትን ኤዥያ ብምዃና ሕጉሳት ኢና ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣባል እቲ ባንኪ ምዃና እንትነፅድቕ ድማ ደስ እናበለና እዩ” ኢሎም፡፡

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣባል እቲ ባንኪ ንምዃን ሕቶ ዘቕረበት ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ኣባላት ዝኾና ሃገራት ግብፅን ደቡብ ኣፍሪካን ስዒባ ሐዚ ሳልሰይቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ኣባል ባንኪ ኢንቨስትመንትን መሰረት ልምዓትን ኤዥያ ኾይና ኣላ፡፡

ካብዚ ብዝሰገረ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝመፅእ ወርሒ ሰነ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝካየድ 2ይ ዓመታዊ ጉባኤ ቦርድ ዳይሬክተራት ክትሳተፍ ዕድመ ቐሪቡላ ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ባንኪ ምዃና ንዝጀመረቶም ገዘፍቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ዝሕግዝ እኹል ቀረብ ልቃሕ ክትረክብ ከምዘኽእላ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

ንህንፀት መሰረተ ልምዓት ካብ ዝርከብ ልቃሕ ብተወሳኺ ንዓውድታት ማኒፋክቸሪንግን ልምዓትን ዘዋፅኡ ፕሮጀክታት ልምዓትን ህንፀት ዓቕምን ሓገዝ ክትረክብ ክሕግዛ’ዩ ኢሎም፡፡

ኣብ 2015ዓ.ም.ፈ ዝተጣየሸ ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ዕምዓት ኤዥያ ኣብ ቐጠና ኤዥያ-ፓስፊክ ዝካየድ መሰረተ ልምዓት ንምሕጋዝ ዝተጣየሸ ባንኪ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

እቲ ባንኪ ትማሊ ቅድም ክብል ዝቐረበሉ 7ተ ሕቶ ኣካልነት ተቐቢሉ ዘፅደቖ ኾይኑ 77 ሃገራት ብኣባላት ሓቑፉ ኣሎ፡፡