ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 106.7ቢሊዮን ቅርሺ ኣኪቡ

መቐለ ግንቦት 05/2009(ድወት) ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 9ተ ኣዋርሕ ልዕሊ 106.7ቢሊየን ቅርሺ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ኣብቶም ዝሓለፉ 9ተ ኣዋረሕ ልዕሊ 58.6ቢሊየን ቅርሺ ተቐማጢ ገንዘብ ክእክብ ከምዝኸአለ ዝገለፀ ኾይኑ እዚ ኣፈፃፅማ ጠቕላላ ተቐማጢ ገንዘብ እቲ ባንኪ 347.1ቢሊዮን ቅርሺ ክበፅሕ ከምዝገበሮ ገሊፁ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 48.1ቢሊዮን ቅርሺ ካብ ተለቃሕቲ ከምዝኣከበ ዝገለፀ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 64.3ቢሊየን ቅርሺ ሓዱሽ ልቓሕ ንዓማዊሉ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።

ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ተግባራት ብምውጋን 3.3ቢሊዮን ዶላር ከምዝረኸበ፣ ካብ ንግዲ ወፃኢ ድማ 469.3ሚሊዮን ዶላር ከምዝኣከበ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን ካብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ዝተልኣኸ ግልጋሎት ሃዋላ 2.8ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ዝረኸበ ኾይኑ ኣብቶም ዝሓለፉ 9ተ ኣዋርሕ ዝነበረ ቅድሚ ታክስ መጠን ትርፊ እቲ ባንኪ 11.2ቢሊዮን ቅርሺ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 9ተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና 49 ሓደሽቲ ጨናፍራት ዝኸፈተ ኾይኑ ኣብ ጅቡቲ ዝተኸፈተ ጨንፈር እቲ ባንኪ’ውን ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣመልኪቱ። (ግዜኢ)