ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ኣለዋ; ወከልቲ ዝተፈላለዩ ትካላት ዓለም

መቐለ ሚያዚያ 30/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ዓውዲ ንግዲ ንምዕባይ ዓይኒ ካብ ሞንጎ ተዕርፈለን ሃገራት ሓንቲ ገይሩዋ እዩ ኢሎም ኣማኻሪ ኮርፖሬሽን ኢንቨስትመንት ዱባይ ዶክተር ሱን ያንግ ቻንግ።

ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዶክተር አክሊሉ ሃይለሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ጎና ጎኒ ኣብ ደርባን ዝተኻየደ ዓለምለኸ ፎረም ቑጠባ ምስ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ትካላት ዘትዩ።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዱባይን ዘሎ ምትሕብባር ንምዕባይን ኣብታ ሃገር ዘለው ኩባኒያታት ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ክወፍሩን ምስ ኣማኻሪ ኮርፖሬሽን ኢንቨስትመንት ዱባይ ዶክተር ሱን ያንግ ቻንግ ዘትዮም።

ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምችው ዕድል ኢንቨስትመንት ከምዘለዋ’ውን ኣብሪሆም።

ኣማካሪ ኮርፖሬሽን ኢንቨስትመንት ዱባይ ዶክተር ሱን ያንግ ቻንግ ብወገኖም ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ዓውዲ ንግዲ ንምዕባይ ዓይኒ ካብ ሞንጎ ተዕርፈለን ሃገራት ሓንቲ ገይሩዋ እዩ ኢሎም።

ክልቲኦም ኣካላት ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ክልቲአን ሃገራት ክጠናኸርን ምትሕብባረን ክዓብን ተሰማሚዖም።

ብኻልእ ወገን ዶክተር ኣክሊሉ ምስ ተወከልቲ ኢንስቲትዩት ካይዘን ህንዲ ዝተዛተዩ ኾይኖም ኢትዮጵያ ዓቕሚ ኢንስቲትዩት ካይዘን ንምዕባይ ሰብ ሙያ ብምልውዋጥ ብሓባር ክትሰርሕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ጉጅለ ንግዲ ጀርመን-ኣፍሪካ ዝተዛተየ ኾይኑ ወከልቲ እቶም ትካላት ኣብ ምዕባይ ንግዲ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም ይብል ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ኦል አፍሪካ ዶት ኮም።