ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ይዓቢ ኣሎ

መቐለ ሚያዚያ 27/2009(ድወት) ቻይና ኣብ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣፍሪካ ዝለዓለ ተሳትፎ ከምዘለዋ ፀብፃብ ኤርነስት ያንግ ኣፍሪካ ገሊፁ።

ካብ 2005ዓ.ም.ፈረንጂ ናብዚ 293 ፕሮጀክታት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ አፍሪካ ተግባራዊ ከምዝኾኑን እዚኦም ድማ ንልዕሊ 130ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር 66.4ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዘምፅኡ ሓቢሩ።

ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ቻይና ኢሉ እቲ ፀብፃብ ኩለመዳያዊ ዝኾነ ለውጢ ክመፅእን ዓውድታት ማኒፋክቸሪንግን ግልጋሎትን ዕብየት ከርእዩን ዝለዓለ ግደ ኣበርኪቱ’ዩ።

ፀብፃብ ኤርነስት ያንግ ኣፍሪካ ከምዘመላኽቶ ኣብ 2016 ካብ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ቻይና ክልተ ዕፅፊ ኣብ 2015ዓ.ም ፈረንጂ ዝተፈጠረ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ይገልፅ።

ጎናጎኒ ምዕባይ ንግድን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃእን ኩባኒያታት ቻይና ኣብ ህንፀት ገዘፍቲ ፕሮጀክታት መንገዲ፣ ባቡር፣ ግድባት፣ ወደባትን ቴሌኮምን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብምግባር’ውን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ብ4ቢሊዮን ዶላር ካብ ኣዲስ ኣበባ ጅቡቲ ዝተዘርግሐ መስመር ባቡር ብኣብነት ኣልዒሉ።
ካብዚ ብዝሰገረ ካብ 1990ታት ናብዚ ርክብ ንግዲ ኣፍሪካ-ቻይና ብቕልጡፍ ይዓቢ ከምዘሎ ብምግላፅ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ቻይና 82.9ቢሊዮን ዶላር ናብ ኣፍሪካ ሰደድ ብምግባር 54.3ቢሊዮን ዶላር ካብ ኣፍሪካ ኣታዊ ከምዝረኸበት ኣመልኪቱ።