ፍኖተ ካርታ ቴክኖሎጂ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ተዳልዩ…

መቐለ ሚያዝያ 17/2009(ድወት) ንሽኮር፣ ባቡርን ጨርቃጨርቂን ሓዊሱ ንዒስራ ፍሉይ ጠመተ ዝጠልቡ ዘፈራት ልምዓት ዝውዕል ፍኖተ ካርታ ቴክኖሎጂ ስርሑ ተዛዚሙ።

ሚንስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምስ መዳርግቲ ኣከላት ኣብቲ ጉዳይ ድሕሪ ምዝታዩ ፎረም ትካላት ልምዓት ዝተጣየሸ እንትኸውን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ዘመሓዳድርዎ ዓውዲ ዝምርሓሉ ኩነታትን ዘርኢ ፍኖተ ካርታ ቴክኖሎጂ ኣብዚ ዓመት ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ዛጊድ ዝተዛዘሙ ፍኖተ ካርታታት ቴክኖሎጂ ንናይ ዕዳጋ፣ ፍርያት፣ ምርምርን ልምዓትን፣ ምርምርን ስርፀትን መሰረት ብምግባር ከምዝተዛዘሙ ዝተዛረቡ ኣማኻሪ ሳይንስ ሚንስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣይተ ዓብዱራዛቕ ኡመር ንእንስሳት፣ ኣእኻል፣ ልምዓት መስኖ፣ ጨርቃጨርቂን ዓላቡን፣ ሓለዋ ከባቢ፣ መሰሰኒ ምህርቲ፣ ስሚንቶ፣ ኬሚካልን ምህርቲ ስጋን ዝውዕል ፍኖተ ካርታ ተዳልዩ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ እውን ንሽኮር፣ ቡን፣ ነዳዲ፣ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፣ ቖርበት፣ ኮንስትራክሽን፣ ሓፂን፣ መዓድን፣ ሓይሊን ባቡርን ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

እቲ ፍኖተ ካርታ መዋቕራዊ ስግግር ኢኮኖሚ ሃገርና ንምርግጋፅ ወሳኒ ስራሕ ምዃኑ ድማ ሚንስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ዓብዪ ብፅሒት ሒዙ ዘሎ ኢንዳስትሪ ሕርሻ ብዘፈር ግልጋሎት ብምትካእ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣታዊ ነብሲ ወከፍ ዜጋታት ኣብ ቀፀልቲ ትሽዓተ ዓመታት ክሳብ 1500 ዶላር ኣሜሪካ ንምብፃሕ ከምዘኽእል ገሊፆም ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን።

ከም መብርሂ እቶም ሚንስትር እቲ ፍኖተ ካርታ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣፍረይቲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዉ ማሽናት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፈታቲሖም ክገጣጥሙ ዘኽእሎም እዩ።