ስትራቴጂ ልምዓትን ዕብየትን መናእሰይ ናብ ተግባረ ተሰጋጊሩ…

መቐለ መጋቢት 11/2009(ድወት) ተጠቃምነት መናእሰይ ንምርግጋፅ 10ቢልዮን ቅርሺ ተዘዋዋሪ ፈንድ ዝተመደበሉ ስትራቴጂ ልምዓትን ዕብየትን መናእሰይን ቅድመ ምድላው ተወጊኑ ናብ ተግባር ከምዝተሰጋገረ ሚኒስቴር ስፖርትን መናእሰይን ገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ኩለን ክልላት 3ሚልዮን መናእሰይ ብምውዳብን ስልጠና ብምሃብን ናብ ስራሕ ንምእታው ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ምድላው ምዕራፍ ኢሎም ሚኒስትር ስፖርትን መናእሰይን ኣይተ ርስቱ ይርዳው ኣብቲ መንእሰይ እኹል ግንዛበ ምፍጣር በዝሒ ስራሕ ዝደልዩ መናእሰይን ኣብየናይ ዓውዲ ምውፋር ይደልዩን ዝብሉ ስራሕቲ ተኻይዶም እዮም።

እቲ ዝተመደበ ገንዘብ ንዝተዓለመሉ መደብ ክውዕል ማዕቐፍ ሕጊ ተዳልይሉ ብኣተሓባባርነት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ን11 ትካላት ፋይናንስ ኩለን ክልላት ክባፃሕ ከምዝተገበረ ድማ ተዛሪቦም።

ጐና ጐኒ ቅድመ ምድላው እቲ ሓዱሽ ስትራቴጂ ልምዓትን ዕብየትን መናእሰይ ኣብቲ ነባር ፓኬጅ ልምዓት መናእሰይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን600ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ብዝመደቦ ተዘዋዋሪ ፈንድ መናእሰይ ኣብዚ ዓመት ኣብ ገጠር 1.7ሚልዮን ኣብ ከተማ ድማ 1.5ሚልዮን መናእሰይ ናብ ስራሕ ንምእታው ከምዝተተለመ ዳይሬክተር ተሳትፎ መናእሰይ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ማቲያስ ኣሰፋ ሓቢሮም።

ክሳብ ሐዚ ክልል ትግራይ ናብ ተግባር ከምዝኣተወን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስልጠና ይህብ ከምዘሎን ብምግላፅ ኩለን ክልላት ድማ ኣብ ሓፂር ግዘ ናብ ተግባረ ከምዝኣትዋ ተዛሪቦም።

እቲ ተዘዋዋሪ ፈንድ መናእሰይ ማእኸል ገይሩ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉድኣት ኣካልን ንኻልእ ፀገም ዝተቓልዑን መናእሰይ ንምብቃዕ ፍሉይ ትኹረት ክህብ’ዩ ይብል ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር።