ንስራሕቲ ፅሬትን ፅባቐን 6ሚልዮን ቅርሺ ተመዲቡ…

መቐለ መጋቢት 10/2009(ድወት) ንስራሕቲ ፅሬትን ፅባቐን ልዕሊ 6ሚልዮን ቅርሺ በጀት ሒዙ ይነጥፍ ምህላዉ ከይዲ ስራሕ ፅሬትን ፅባቐን ከተማ ውቅሮ ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ፅሬትን ፅባቐን ከተማ ውቅሮ ኣይተ ኣማኒኤል ደስታ ከምዝገለፅዎ ኣብዚ ዓመት ንስራሕቲ ሓምለዋይ ኸባቢ ልዑል ትኹረት ብምሃብ ምስ ኮሚቴ ልምዓት እታ ከተማን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ፅሬትን ፅባቐን እታ ከተማ ኣብ ምምሕያሽ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣፍሊጦም።

ኣብታ ከተማ ንስራሕቲ ፅሬትን ፅባቐን ልዕሊ 6ሚልዮን ቅርሺ በጀት ምምዳቡ ዝሓበሩ ኣይተ ኣማኒኤል ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ኣርባዕተ ማሕበራት ብምውዳብ ን80 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ኣረዲኦም።

ኣብ ስራሕቲ ፅሬትን ፅባቐን ተሳትፎ ህዝቢ እታ ከተማ’ውን ልዑል ከምዝኾነን ኮሌጅ ቅድስትማርያም ውቅሮን ወርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ጨንፈር ውቅሮን ምስ ኮሚቴ ልምዓት ከተማ ውቅሮን ዝገብርዎ ዘለዉ ዝተዋደደ ርብርብ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእን ኣይተ ኣማኒኤል ወሲኾም ኣገንዚቦም።