ኣውስትራልያ ዘይተኸተቡ ህፃናት ክትኽልኽል’ያ

መንግስቲ ኣውስትራልያ ዘይተኸተቡ ህፃናት ካብ ማእኸላት ምሕብሓብ ህፃናትን ኣብያተ ትምህርትን ዝኽልኽል ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ከምዝተለመ ኣፍሊጡ።

ህፃናት ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምክልኻል ዘይተኸተቡ ህፃናት ካብዞም ከባብታት ክኽልኸሉ ኣለዎም ዝብል ሕጊ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ማልኮም ተርንቡል ጉጅለታት ጥዕና ከምዝደገፍዎ ተገሊፁ።

ሓለዋ ጥዕና ህፃናት እታ ሃገር ዘካየዶ መፅናዕቲ ካብ 2ሽሕ ስድራ እቶም 5ሚኢታዊ ደቆም ብዝግባእ ከምዘየኽተቡ የመላኽት።

እዚ ጉዳይ ህይወትን ሞትን ስለዝኾነ ድማ ትኩረት ክንገብረሉ ኣለና ይብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር።

ሓደ ስድራ ደቀይ ክኽተቡ ኣይፈቅድን ዝብል እንተኾይኑ ጥዕና እቲ ህፃን ጥራይ ዘይኮነ ጥዕና ብዙሓት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ምኽንያት ስለዝኸውን ኣብ ትካላት መሐብሐቢ ህፃናትን ህፃናት ኣብ ዝርከቡሎም ከባብታትን ዘይተኸተቡ ህፃናት ከይሕወሱ ዝኽልኽል ሕጊ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገሊፆም።