እቲ ኩባኒያ ሓዱሽ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሊሙ

መቐለ ለካቲት 30/2009(ድወት) ቻይናዊ ኩባኒያ መፍረዪ ጫማ ቲኮን 100ሽሕ ሓዱሽ ዕድል ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ከምዝተለመ ገሊፁ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘካየዶ ኢንቨስትመንት ብርክት ንዝበሉ ዜጋታት ልድል ስራሕ ብምፍጣር ኣብ ቑጠባ እታ ሃገር እጃሙ የበርክት ከምዘሎ ብምግላፅ ብኣንፃሩ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ሕሳር ዋጋ ሓይሊ ሰብን ተመራፂ ፖሊሲ ኢንቨስትመንትን ተጠቃሚ ከምዝኾነ እቲ ኩባኒያ ገሊፁ ።

ኣብ 2011ዓ.ም.ፈረንጂ ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዩ ዘውፈረ እዚ ኩባኒያ ን6ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ኾይኑ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምርካብ’ውን ዝዓዘዘ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም ዳይሬክተር ሁጂያን ግሩፕ ዣንግ ሃሮንግ ተዛሪቦም።

ብቐፃልነት ኣብ ኢትዮጵያ 100ሽሕ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር 10ቢሊዮን ዶላር ርእሰ ማል ንምፍራይ ትልሚ ከምዘለዎ ገሊፆም እቶም ዳይሬክተር ከም ፀብፃብ ጋዜጣ ፒፕልስ ዴይሊ።