ሰደድ ካብ ዝተገበሩ ምህርታት ልዕሊ 44 ሚልዮን ዶላር ተረኺቡ

መቐለ ለካቲት 29/2009(ድወት) ካብ ሑመራ ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኹ ምህርታት ሕርሻ ልዕሊ 44 ሚልዮን ዶላር እቶት ተረኺቡ፡፡

ኣብ በዓል-መዚ እቶትን ጉምሩክን ኢትዮጵያ ተወካሊ ጉምሩክ ሑመራ ኣይተ ሃይለ ገብረማርያም እቲ ዝተረኸበ እቶት ኣብቶም ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ዝተልኣኸ ምህርቲ ሰሊጥን ካልኦት ምህርታት ሕርሻን ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ናብ ሃገራት እስራኤልን ቻይናን ዝተልኣኸ ልዕሊ 350ሽሕ ኩንታል ሰሊጥ ኾይኑ ልዕሊ 38 ሚልዮን ዶላር እቶት ከምዝተረኸበ ዝገለፁ ኣይተ ሃይለ እቲ ዝተረኸበ እቶት ብትልሚ ካብ ዝተትሓዘን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀርን 7 ሚልዮን ዶላር ምንካይ ከምዘርኣየ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝተርኣየ ምዝሕሓል ዋጋን ዋጋ ክውስኽ’ዩ ብዝብል መብዛሕትኡ ምህርቲ ናብ ዕዳጋ ዘይምቕራቡን ምኽንያት ምንካይ እቶት እቲ ዓውዲ ከምዝኾነ’ውን ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብሑመራ ኣቢሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ዝተልኣኹ ምህርታት ሕርሻ ልዕሊ 154 ሚልዮን ዶላር እቶት ከምዝተረኸበ ዝዝከር’ዩ፡፡