ባንኪ ዓለም ንኬንያ ሓገዝ 43 ሚልዮን ዶላር ሂቡ

መቐለ 15 ግንቦት 2012(ድወት) ኬንያ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል 43 ሚልዮን ዶላር ካብ ባንኪ ዓለም ከምዝረኸበት ተፈሊጡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝረአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ቐንዲ ስግኣት ምህርቲ እተን ሃገራት ኮይኑ ከም ዘሎ ድማ CGTN ፀብፂቡ።

ብምዃኑ ባንኪ ዓለም ድማ መንግስቲ ኬንያ ነዚ ንምክልኻል ዝገብሮ ፃዕሪ ብምሕጋዝ 43 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ኬንያ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።

ኣብ ኬንያ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ፍሊፕ ጃርማሎ ኣብ ኬንያን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ብዝረአ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ ዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ዘይተርኣየ ዝኸፍአ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝተርኣየላ ኬንያ ናብ ሃገራት ሶማልያ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ይስፍሕፋሕ ከም ዘሎ ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ዞባ ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት ንሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ ኣሎ።