ቁጠባ ዓለም ዝለዓለ ዝሕታለ ዕቤትን ቅልውላው ልቓሕን ከጋጥሞ ይኽእል እዩ

መቐለ 15 ግንቦት 2012(ድወት) ዓለም ለኸ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብብርኪ ዓለም ዝኸፍአ ቁጠባዊ ዝሕታለ ከስዕብ ከምዝኽእል ፍሉጥ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ዓለም ፕሮፊሰር ኖውራል ሮውቢኒ ገሊፆም።

እቶም በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ከምዝገለፅዎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኩለ መዳያዊ ቁጠባ ዓለም ዘስዕቦ ዘሎ ኪሳራ ን10 ዓመታት ዝፀንሕ ዝሕታለን ዕቤት ቁጠባን ቅልውላው ልቓሕን ከስዕብ ይኽእል እዩ።

እቲ ለበዳ ሐዚ ዘብፅሖ ዘሎ ጭቡጥ ሓደጋን ኪሳራ ቁጠባ ሃገራትን ናብ ንቡር ንምምላስ ግዜ ዝወስድ እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኖውራል ሮውቢኒ ብፍላይ ምስ ሸቕሊ ኣልቦነትን ስእነት ስራሕን ዝረአ ዘሎ ፀገም ኪሳርኡ ዓቢ ምዃኑ ገሊፆም።

እዞም ፀገማት ዘብፅሕዎ ፅልዋ ብቐሊሉ ዝምለስን ናብ ንቡር ንምምፃእ ግዜ ዝወስድን እዩ ዝበሉ እቶም ፕሮፊሰር መንግስትን ሃገራትን ስጉምቲ መመሓየሺ ክወስዱ ሓቲቶም ክብል BBC ፀብፂቡ።