መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣትክልትን ፍራምረን ታንዛንያ ናብ ኣውሮፓ የቕርብ ኣሎ…….

መቐለ 12 ሚያዝያ 2012(ድወት) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምህርትታት ኣትክልትን ፍራፍረን ታንዛንያ ኣብ ሰሙን 3 ግዘ በረራ ብምክያድ ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ከምዘቕርብ ተገሊፁ።

እቲ መንገዲ ኣየር ምህርትታት ኣትክልትን ፍራፍረን ታንዛንያ ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ከቕርብ ዝተገበረ ማሕበር ሆርቲ ካልቸር እታ ሃገርን ኩባንያ ልምዓት መንገዲ ኣየር ኪሎማንጃሮን ብዝገብርዎ ምትሕብባር እዩ።

ከም ሓበሬታ ሲቲዝን ኣውሮፕላን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓርቢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪሎማንጃሮ ተረኺቡ ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ዝቐርብ ኣትክልትን ፍራፍረን ይፅዕን ከምዝነበረ እዩ ኣመልኪቱ ዘሎ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ታንዛንያ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እተቕርቦ ምህርታት ኣትክልትን ፍራፍረን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ተገሊፁ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምህርታት ኣትክልትን ፍራፍረን እታ ሃገር ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ምቕራቡ እቲ ፅዕንቶ የቃልሎ እዩ ተባሂሉ ተኣሚንሉ ኣሎ።