ቤት ፍርዲ ስዑድ ዓረቢያ ድሕንነት ሃገር ኣሕሊፎም ዝበሎም ሰባት ብሞትን ማእሰርትን ክቅፅዑ ወሲኑ…

መቐለ 18 ለካቲት 2012(ድወት) ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዑድ ዓረብያ ሃገራዊ ድሕንነት ንኢራን ኣመሓላሊፎም ዝበሎም ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ድሕንነት እታ ሃገር ካብ ሞት ክሳብ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ፀሪሑ ኣልጀዚራ ከምዝፀብፀቦ እቲ ቤት ፍርዲ ሃገራዊ ድሕንነት ንኢራን ኣሕሊፎም ሂቦም ኢሉ ክሲ ካብ ዝመስረተሎም 8ተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሃገራዊ ድሕንነት ስዑድ ዓረቢያ እቲ ሓደ ብሞት እንትቕፃዕ እቶም 7 ድማ ብማእሰርቲ ክቕፅዑ ወሲኑ ኣሎ።

እቶም ብማእሰርቲ ክቕፅዑ ዝተበየነሎም ዜጋታት ስዑድ ዓረቢያ ድማ ብሓፈሻ ን58 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክፀንሑ ዝብል እዩ።

ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሓንቲ ኣብ ልዕሊ እታ ካሊእ ክሲ ዝምስርታ ስዑድ ዓረቢያን ኢራንን ብፍላይ እቶም ገበነኛታት ጉዳዮም ምስ ኢራን ዝተሓሐዝ ብምዃኑ እቲ ጉዳይ ከቢድ ከምዝገበሮ ተዓዘብቲ ይገልፁ።