ኣሚር ኳታር ኣብ ቱኒዝያ ዑደት ጀሚሮም…

መቐለ 18 ለካቲት 2012(ድወት) ኣሚር ኳታር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ 2 መዓልትታት ኣብ ቱኒዝያ ኣትዮም።

ዥንዋ ከምዝፀብፀቦ ዓሚር ኳታር ሼክ ታሚም ሃማድ ኣልታኒ ኣብ ቱኒዝያ ዝኣተዉ ኩለመዳያዊ ስተራተጂካዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር እዩ።

ብዕድመ ፕሬዝደንት ቱኒዝያ ካይስ ሰይድ ቱኒዝ ዝኣተዉ ቢን ሃማድ ኣልታኒ ቅድም ኢሉ ዝተጀመረን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝድህስስን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምጥንኻር እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ብኣሚር ኳታር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ዝተመርሐ ላዕለዎት መራሕቲ ጉጅለ ኳታር ንምክታል ቐዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኳታርን ዘጠቓለለ ኮይኑ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ቱኒዝያ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልቲኣዊን ዘባዊን ርክብን ምትሕብባርን ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።