ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ንምዕዳግ ምድላዋቶም ዛዚሞም ተባሂሉ

መቐለ 17 ለካቲት 2012(ድወት) ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ተወዲቦም ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ንምዕዳግ ምድላዋቶም ከምዝወገኑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዝርከቡ ሰብ-ሃፍቲ ተጋሩ ናብ ውልቀ ትካልነት ንክዛወር ናብ ጨረታ ካብ ዝቐረቡ ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ውሽጢ ሓደ ዝኾነ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ተወዲቦም ንምዕዳግ ምድላዋቶም ከምዝወገኑ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እዩ።

እቲ ፋብሪካ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንምርኣይ ድማ ካብ ኩለን ከተማታትን ካብ ተወከልቲ ዲያስፖራታትን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሃፍቲ ናብቲ ፋብሪካ ብኣካል ብምኻድ ዑደት ከካይዱ መደብ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።