ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣረብቲ ዝነብሩ ተጋሩ በዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ኣኽቢሮም…..

መቐለ 17 ለካቲት 2012(ድወት) ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣረብቲ ዝነብሩ ተጋሩ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ብድምቀት ኣኽቢሮም።

እቶም ተጋሩ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምሕጋዝ ወዳበ ኣጣይሾም ዝሰርሑ ዘለዉ ኮይኖም ነታ ማሕበር በቢወርሑ ንምሕጋዝ ወሲኖም ተግባራዊ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።

ዛጊድ መምህራን፣ ሓካይም፣ ነጋዶን መዓልታዊ ሰራሕተኛታትን ሓዊሱ 27 ሽሕን 800 ቅርሺ ዝሓገዙ ኮይኖም በቢወርሑ ብ6831 ኣቢሎም እናሓገዙ እዮም።

መምህር መሓመድ ዓብዱን ኣይተ ተኽሊት ገብረመድህንን ዝተብሃሉ ነበርቲ ኣረብቲ ከም ዝገለፅዎ እዚ ሓገዝ ምግባሮም ዝለዓለ ሓጐስ ከምዝፈጠረሎም ብምግላፅ ንቐፃሊ ዝገብርዎ ኩለ-መዳያዊ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉሉ ገሊፆም።