መንግስቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 62 ዜጋታት ክሶም ክቋረፅ ከምዝወሰነ ተሓቢሩ…

መቐለ 17 ለካቲት 2012(ድወት) መንግስቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 62 ዜጋታት ክሶም ክቋረፅ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን ክበሃል ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን መራሕቲ ፖለቲካን ጉዳዮም ብሕጊ ተራእዩ ክሶም ከም ዝቋረፅ ፍንጪ ሂቦም ምንባሮም ይፍለጥ።

መንግስቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ብምህላዎምን ዜጋታት ትምህርቲ ስለ ዝወስድሉን ብምባል ን60 ዜጋታት ክሶም ክቋረፅ ከም ዝወሰነ ፕረስ ሴክሬተሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣይተ ንጉስ ጥላሁን ኣፍሊጦም።

ሕዚ ምሕረት ዝተገበረሎም 60 ዜጋታት ክሶም ዝተቋረፀሉ ኣገባብ ሕጊን ሽም ዝርዝሮምን ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ዕለት ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዝህብ ድማ ተሓቢሩ።