ኢትዮጵያ ን6ተ ኣዋርሕ ክናወሐላ ንምሕታት ናብ ግብፂ ዝለኣኸቶ ጉጅለ ልኡኽ ብዘይ ፍረ ከም ዝተመለሰ ተሓቢሩ…

መቐለ 17 ለካቲት 2012(ድወት) ኣብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣብ ወጥሪ ዝኣተወት ኢትዮጵያ ፊርማ እቲ ስምምዕነት ን6ተ ኣዋርሕ ክናወሐላ ንምሕታት ናብ ግብፂ ዝተልኣኸ ጉጅለ ብዘይ ውፅኢት ከም ዝተመለሰ ተሓቢሩ።

ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተመርሐ ልኡኽ ንፕረዚደንት ግብፂ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ረኺቡ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተቕረበ እኳ እሺ ወይ ድማ እምቢ ዝብል መልሲ ከይረኸበ ከም ዝተመለሰ ድማ እዩ ዝተገለፀ።

ኣብዚ ሰሙን ብምሁራት ኣብ ልዕሊ ሃገር ክሕደት ኣይትፈፅሙ ተባሂሉ ዝተነቐፈ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወጥሪ ብምእታው እቲ ጉዳይ ናብ ፓርላማ ንምውሳድ ከም ዝሓሰበ TMH ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት።

ኣባል እቲ ልኡኽ ዝነበሩ ድኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ሬድዋን ሑሴን ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ከም ዝህቡ ድማ ተገሊፁ ኣሎ።