ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስን ዝለዓለ ሃፍቲ ነዳዲ ዘለዋ ከባቢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ…

መቐለ 17 ለካቲት 2012(ድወት) ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት እታ ሃገር ዝለዓለ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዝተነገረሉ ዝለዓለ መጠንን ትሕዝቶን ሃፍቲ ነዳዲ ዘለዎ ከባቢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

እቲ ዝለዓለ መጠን ነዳዲን ተፈጥራዊ ጋዝን ዝተረኸበ ኣብ ዶብ ዱባይን ኣቡዳቢን ዝርከብ ከባቢ እንትኸውን ቁጠባ እታ ሃገር ትርጉም ብዘለዎም መንገዲ ዛዕባ ከም ዝኾነ ድማ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ነዳዲን ተፈጥራዊ ጋዝን ካብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ነዳዲ ከም ዝኾነን እታ ሃገር ድማ ዝለዓለ መፍራይ ነዳዲ ክትኸውን ዝሕግዝን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።

ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ ኳታርን ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስን ዘሎ ርክብ ዝሓርፈፈ ብምዃኑ እቲ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ዝለዓለ መጠን ሃፍቲ ነዳዲ ናብ ረብሓ ንምውዓል ክኸብድ ከም ዝኽእል እዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ዝገልፁ ዘለዉ።

ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ሕዚ እውን ነዳዲ ናብ ወፃኢ ሰደድ ከምትገብርን ቁጠባኣ ድማ ብበዝሒ ኣብ ነዳዲ ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነን ፀብፃባት ኣመልኪቶም።