መራሒ ተቓዋሚ ሓይሊ ሊብያ ገበነኛ ኵናት ምዃኑ ተሓቢሩ…

መቐለ 17 ለካቲት 2012(ድወት) መራሒ ተቓዋሚ ሓይሊ ሊብያ ገበነኛ ኵናት ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊብያ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊብያ ፋያዝ ኣልሲራጅ ኣብታ ሃገር ብመራሒ ተቓዋሚ ሓይሊ ሊብያ ካሊፋ ሃፍታር ዝምራሕ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትን መዕርፎ ነፈርቲን ንዝተፈፀመ ደብዳብ እቲ መራሒ ብገበን ኵናት ክኽሰሰ ከም ዝግባእ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፆም።

ህፃናት ብምኽንያት ደብዳብ ከበድቲ ኣፅዋራት እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ካብ ትምህርቶም ከም ዝተኣጓጎሉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ዕጡቕ ብገንዘባዊ ይኹን ብመሳረሒታት ኣፅዋር ዝሕግዙ ዘለዉ ኣካላት እውን ተሓተቲ ከም ዝኾኑ ኣመልኪቶም።

መንግስቶም ምስቲ ዕጡቕ ሓይሊ ልዝብ ንምስላጥ ድልው ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ፀዊዖም ኣለዉ።

ፖለቲካዊ ዘተ ክልቲኦም ሓይልታት ፅባሕ ኣብ ጀኔቫ ክሳለጥ ምዃኑ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።