ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ህንዲ ፈላማይ ዑደት ከካይዱ እዮም ተባሂሉ…

መቐለ 16 ለካቲት 2012(ድወት) ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ህንዲ ፈላማይ ዑደት ከካይዱ እዮም።

ዑደት እቶም ፕሬዝደንት ኣብ መንጐ ኽልቲኤን ሃገራት ዘሉ ኩለ-መዳያዊ ርክብን ምሕዝነትን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ምዃኑ ድማ ቢቢሲ ገሊፁ።

ብብርኪ ዓለም ወነንቲ ዝዓበየ ዴሞክራሲ ዓለም ዝብሃላ ህንድን ኣሜሪካን ዝሓሸ ስትራቴጂካዊ ርክብ ዲፕሎማስን ፖለቲካን ከምዘለወን ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ቐንዲ መሓዛ ንግድን ቑጠባን ኣሜሪካ ዝኾነት ህንዲ ንግዳዊ ልውውጥ ኽልቲኤን ሃገራት ኣብ 2018 ዓ.ም ፈረንጂ ልዕሊ 142 ነጥቢ 6 ቢልዮን ዶላር ከምዝበፅሐ መረዳእታታት የመልክቱ።