ማሕበራዊ ፀገማት ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ ተባሂሉ…

መቐለ 07 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ከተማ ዓድዋ ማሕበራዊ ፀገማት እቲ ሕብረተሰብ ብውሽጣዊ ዓቕምታ ንምፍታ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እታ ከተማ ኣፈሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዓድዋ ከባቢ ዓዲ ኣቡን ዝተጣየሸት ማሕበር ማሕበር እድር ዓዲ ኣቡን ማሕበራዊ ፀገማት ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ንምፍታሕ እናሰርሐት ዝመፀት እትትከውን ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክተርፉ ንዝኽእሉ 90 ተምሃሮ ልዕሊ 67 ሽሕ ቅርሺ ወፃኢ ብምግባር ደፍተር ቢሮን ድቪዛን ከምኡ እውን ዝገደደ ፀገም ክዳውንቲ ዘለዎም ክዳውንቲ ክረኽቡ ገይራ እያ ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸባ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ከተማ ዓድዋ ወይዘሮ ገነት ተኹሉ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ውሽጣዊ ፀገማትና ብውሸጣዊ ዓቕሚታትና ንምፍታሕ ንገብሮ ዘለና ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ ድሕሪ ምባል ዝተፀገሙ ወገናትና ምሕጋዝ ተግባር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክኸውን ይግባእ ኢለን።

ተወካሊ ማሕበር እድር ዓዲ ኣቡን ኣይተ ዘሚካኤል ታመነ ብወገኖም ማሕበሮም ዝተፀገሙ ወገናት ካብ ምሕጋዝ ብዝዘለለ ኣብ ልምዓት ከባቢን ምቕራፍ ስእነት ስራሕን ትነጥፍ ምህላዋ ብምግላፅ 12 ስራሕ ዘይነበረን ደቂ ኣነስትዮ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ነፍስ ወከፈን ሓደ ሽሕ ቅርሺ ወርሓዊ መሃያ እናተኸፈለን ከባቢአን ከልምዓን ከፅርያን ተወሲኑ ናብ ተግባር ከም ዝኣተወት ኣፍሊጦም ።
ተሓገዝቲ ብዝተገበረሎም ሓገዝ ሕጉሳት ከም ዝኾኑ ብምግላፅ ጠንኪሮም ከም ዝመሃሩን ከም ዝሰርሑን ገሊፆም ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን እታ ከተማ ሓቢሩ።