መበል 74 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተጀሚሩ…

መቐለ 07 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) መበል 74 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተጀመረ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት “ሓበራዊ ምልዕዓል ንምንካይ ድኽነት ፣ ፅሬት ትምህርቲን ለውጢ ኩነታት ኣየርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ፕረዚደንት እቲ ጉባኤ ቲጀኒ መሓመድ ባንዲ ገሊፆም።

መሓመድ ባንዲ ብተወሳኺ ቀንዲ ትኹረት እቲ ኣኼባ ኣብ ተግባራውነት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ብፍላይ ድማ ኣብ ምንካይ ድኽነት ፣ጥሜት ናብ ባዶ ምውራድ ፣ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ፣ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣሳታፍነትን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ዓለም ለኻዊ ፈተናታት ንምፍታሕ ህዝቢ ብምእማን ሓበራዊ ፃዕሪ ከምዘድሊ ምግላፆም ዥንዋ ፀብፂቡ።