ሰለስቲኣዊ ዘተ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘይፍረ ተበቲኑ…

መቐለ 07 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ዙርያ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝሳለጥ ዝነበረ ሰለስቲኣዊ ዘተ ብዘይስምምዕነት ተበቲኑ።

ሚኒስትራት ማይ መስኖን ኢነርጅን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ካብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሮም ኣብ ከተማ ካይሮ ከይዲ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ መሰረት ገይረን ዘካይደኦ ዝነበረ ዘተ ከይተስማምዑ ከምዝተፈላለዩ ኣሕራም ኦን ላይን ፀብፂቡ።

ብዋናነት ብግብፂ ዝቐረበ ከይዲ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክናዋሕ ዝብል ረቂቅ ኢትዮጵያ ከምዘይተቐበለቶ ዝገለፀ እቲ ዝወፀ ሓበሬታ ኣብቲ ዝቕፅል ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሱዳን ካርቱም ንክራኸቡ ቆፀሮ ሒዞም ተፈላልዮም ኣለዉ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ኣቖፃፅራ ፈረንጂ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ኢትዮጵያ መዲባ ኣላ።