ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዋዕላ ሲንጋፖር ክሳተፉ እዮም…

መቐለ 07 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ካንያታ ኣብ 2019 ዝሳለጥ ዋዕላ ሲንጋፖር ከምዝሳተፉ ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ፕረዝደንት ኬንያ ዕላዊ ከምዝገበሮ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ቐፃሊ ሰሙን ዋዕላ ሲንጋፖር ንምስታፍ ናብ ሲንጋፖር ከምዘምርሑ ገሊፁ ኣሎ እዚ ብቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ሊሃንስ ሎንግ ዝተገበረሎም ፃውዒት መሰረት ምዃኑ እዩ ተገሊፁ።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ኬንያ ኣብ ምዕባለ ዘለዉዎ ቑልፊ መደባት ንምዕባለ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዋ ዕድላት ከምዝዝትዩ እዩ ተገሊፁ።

ዋዕላ ሲንጋፖር ኣብ 2012 ዓመተ ፈረንጂ ዝጀመረ እንትኾን መንግስታት፣ ሰብ ውልቀ ትካላትን መራሕትን ኣብ ዓለምለኻዊ ዛዕባታት ቑጠባ ገንዘብን ጂኦ ፖለቲካን ዝዝትዩሉ መድረኽ ምዃኑ ይፍለጥ።