ሓረስቶት ወረዳ ራያ ኣላማጣ ንባልዓት ዝራእቲ ትኹረት ጌሮም ይሰርሑ ኣለዉ…

መቐለ 06 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ወራር ባልዓትን ሕማማትን ዝራእቲ ብብቕዓት ንምምካት ዘኽእል ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ ይካየድ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ክኢላ ሓለዋን ክትትልን ዝራእቲ ኣይተ ኣሕመድ ሳልሕ ከምዝሃበርዎ መፍረያይነት ዝራእቲ እታ ወረዳ ብሰንኪሕማማትን ባልዓትን ከይንኪ ካብ ወረዳ ክሳብ ወረዳን ጣብያን ጉጅለታት ልምዓትን ኮሚቴታት ብምጥያሽ ዝተጠናኸረ ሓለዋን ክንክንን ዝራእቲ እናተኻየደ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ኣብታ ወረዳ ኣጋጢሞም ዝነበረ ባልዕ ሓሰኻ ባርኖስ ኣሜሪካ ብባህላዊ መንገዲ ሓረስቶት ባዕሎም ክቆፃፀርዎ ዝኽእሉ እንትኾን ብዕለት 4 ጳጉሜን ኣብ ጣብያታት ታኦን ላዕላይ ዳዩን ተራእዩ ዝነበረ ተባራሪ ባልዕ ዕስለ ኣንበጣ እውን ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዝኾነ ሓደጋ ከየብፀሐ ተበታቲኑ ክጠፍእ ከምተገበረ እቶም ክኢላ ኣረዲኦም።

ብዘይካ እዚ ከምኒ ቕንጨ መፀለምን ካልኦትን ዝበሉ ሓደገኛታት ፃህያይ ተፀህዮም ክውገዱ እናተገበረ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ክኢላ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምክልኻል ሕማማትን ባልዓትን ሓረስቶት እታ ወረዳ ብንቕሓት ይሳተፉ ከምዘለዉ ድማ ኣረጋጊፆም።