ኣብ 2012 ኣገልግሎት ቐጥታዊ ኢንተርኔት ክውሃብ እዩ…

መቐለ 06 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ 2012 ዓ.ም 278 ኣገልጋሎት ቀጥታ ኢንተርኔት ክወሃብ ከም ዝኾነ ሚኒስቴር ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዳይሬክተር ምምሕዳርን ልምዓት ኤሌክትሮኒክስን ኣይተ ኣሸናፊ ጋዴሳ ኣገልግሎት ኦንላይን ኤሌክትሮኒክስ ንምሃብ 34 ትካላት ተመሪፀን ግልጋሎት ክህባ ከም ዝኾና ገሊፆም።

እዚ ግልጋሎት ኦንላይ ኣብ 19 ትካላት ቅድመ ፈተነ ከም ዝተኻየደን ኣብ ሸውዓተ ትካላት ድማ መሊኡ ተግባራዊ ከም ዝኾነን ተዛሪቦም።

እቶም ግልጋሎት ኦንላይን ዝጀመሩ ትካላት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስቴር መጉዓዝያ ፌደራል ፣ ሚኒስቴር ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ፣ ሚኒስቴር ሕርሻን ካልኦትን ምኳኖም እቲ ዝወፀ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።