ኣልጀርያ መፃኢ ታሕሳስ መረፃ ከተካይድ እያ…

መቐለ 06 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣልጀርያ ከም ኣቆፃፅራ ዓመተ ፈረንጂ 12 ታሕሳስ 2019 ፕሬዘዳንታዊ መረፃ ከምተሳልጥ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ብግዝያዉነት እታ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ፕሬዝዳንት ኣብደልቃድር ቤንሳላህ እቲ መረፃ ዝካየደሉ እዋን ዕላዊ ምግባሮም ስዒቡ እዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሃገረ ኣልጀርያ ጀኔራል መሓመድ ጋይድ ሳላህ፣ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እታ ሃገር መረፃ እተካይደሉ እዋን ዕላዊ ክግበር መምርሒ ምዉፃኦም ዝዝከር እዩ።

እዚ ፕሬዝዳንታዊ መረፃ ን4 ሓምለ 2019 ዓ.ም ፈረንጂ ንክካየድ መርሃ ግብሪ ወፂእሉ እኳ እንተነበረ እቶም ሕፁያት ክቐርቡ ብዘይምኻኣሎም ክናዋሕ ኪኢሉ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።