ዙምባብዌ ዘመናዊ ሰራዊት ንምህናፅ ክሰርሕ እየ ኢላ-ዙምባብዌ…

8 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)ዘመናዊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምህናፅ ትኹረት ሂቦም ከምዝሰርሑ ፕሬዝደንት ዙምባብዌ ኤመርሰን ሞናንጋግዋ ገሊፆም።   ፕሬዝደንት ኤመርሰን ሞናንጋግዋ መበል 39 ዓመት በዓል ምስረታ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ብድምቀት ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ኣብዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝሰልጠነን ዘመናዊ ዕጥቂ ዝወነነን ሰራዊት ንክኸወን ዘኽእል ስራሕ ክስራሕ እዩ ኢሎም።   ምስ ምርግጋፅ ማሕበረ-ቑጠባዊ፣ ቴክኖሎጂካዊን ፀጥታውን ህንፀት ጐኒ ንጐኒ ምዝማን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዋናውን መሰረታውን ጉዳይ ምዃኑ እቶም ፕሬዝደንት ኣስሚሮምሉ እዮም።   ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ዘመናዊ ሓይሊ ኣየርን ምድርን ንምህናፅ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ምግላፆም CGTN AFRICA  ፀብፂቡ።