ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝያዳ ትኹረት ከምዘድሊ ተሓቢሩ

8 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)ኣብ ዙርያ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣድሂቡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዕላዊ ዝገበሮ መፅናዕቲ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብዝበለፀ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ክህባ ዝገበር ምዃኑ ተገሊፁ።   ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣድሂቡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕላዊ ዝገበሮ መፅናዕቲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብዝበለፀ ትኹረት ክህበኦ ዝገብር ምዃኑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ከባብያዊ ደኒን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ፕሮፌሰር ፍቓዱ በየነ ገሊፆም።   ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዕላዊ ዝገበሮ መፅናዕቲ ከም ዘመላኽቶ ብብርኪ ዓለም ለውጢ ኩነታት ኣየር በዚ እንተቐፂሉ ድሕሪ 30 ዓመታት ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ከም ዘጋጥምን እዚ ድማ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።   እቲ ፀገም ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኩለን ኣህጉራት ከጋጥም ዝኽእለሉ ዕድል ዝሰፍሐ እንትኾን እዚ ድማ ን100 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ንዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ዘቃልዕ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።   እዚ ድማ ብፍላይ ንድሕሪት ይምለሳ ንዘለዋ ዝማዕበላ ሃገራት መንቅሒ ደወል እዩ ተባሂሉ።   ኢትዮጵያ መሰል ሃገራትን ኣብቲ ፀገም ካብ ዝኣትዋ ፀኒሐን እየን ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር ነዚ ንምፍታሕ ድማ ኣብ ተሓደስቲ ሓይሊ ዘለዋ ኣጠቓቕማ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ሓቢሮም።