ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተፈቲሖም…….

8 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ መንጎ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገር ንምንባር ኾነ ንምስራሕ ፍቓድ ወረቐት ዘለዎም ዜጋታት ተታሒዘምሉ ካብ ዝነበርሉ ፖሊስ ጣብያ ክወፁ ከምዝተገበረ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ገሊፁ።   ኣብ ከተማ ጆሃንስ በርግ ዜጋታት ሃገራት ወፃኢ ስርዓት ንግዲ ብዝፃረር ኹነታት ብተመሳሳሊ ምህርቲ ንግዲ ተዋፊሮም ኣለዉ ብዝብል ክሲ መሰረት መሓውር ፀጥታ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘካየዶ ወፍሪ ብርክት ዝበሉ ንብረታት ምውራሶምን ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ተኣሲሮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።   ነዚ ስዒቡ ድማ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ኣመራርሓ ማሕበር ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ማሕበረ ሰብ ንግዲን ብምዃን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ዜጋታት ጉዳዮም ክረአይ ክትትልን ድጋፍን እናተገበረ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ እዩ።   ሰለዝኾነ እውን ኣብታ ሃገር መንበሪን መስርሒ ፍቓድ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ብሙሉእ ካብ ቤት ማእሰርት ክፍትሑ ከምዝተገበረን ዝተረፉ ድማ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክረአን ኣብዞም ዜጋታት ዝተጀመረ ክትትልን ድጋፍን ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ገሊፁ ኣሎ።