ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝተልዓለ ሓበራዊ ወያነ ክኸውን ይኽእል-ኣሜሪካ…

7 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)ኣብ ሆንግ ኮንግ ቻይና ዝተልዓለ ዕግርግር ኣሜሪካ ሕብራዊ ወያነ ክኾነሉ ዝኽእል ባይታ ኣለዋ ኢላ።   ትማሊ ሶኒ ምሕደራ ትራምፕ “ኩሎም ወገናት ጐንፂ ጠጠው ከብሉ ኣለዎም ክብል ዝመዓደ ኮይኑ ስሙ ዘይተጠቐሰ ላዕለዋይ መሪሕነት ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ድማ ሕቶ ዲሞክራሲ ዘለዎም ዜጋታት ቻይና ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ኣለዎም ኢሉ።   እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መሓዛ ትራምፕ ምዃኖም ዝንገረሎም ሚች ማኮሎን ብወገኖም ዓለም ይዕዘብ ኣሎ እዩ ዝኾነ ይኹን ዓመፃዊ ምንቅስቓስ ዘይቕቡል እዩ ኢሎም።   ቻይናውያን ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣብ ቻይና ዝኾና ጁሊ ኢዳህ ምስ ነቲ ዓመፅ ዝመርሑ ዘለዉ ኣካላት ምርኻበን ኣምሪሮም ይቃወሙ ኣለዉ። ስሩዕ ኽሲ ዝቐረበላ ኣሜሪካ ብወገና ምርኻብ እተን ዲፕሎማት ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣብ ዕለታዊ ምንቀስቓሱ ዝገብሮ ነገር እዩ ሓዱሽ ነገር የብሉን ትብል።   ኣቐባሊ ቃል ጉዳያት ወፃኢ ሞርጋን ኦርታገስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እተን ዲፕሎማት ስርሐን እየን ሰሪሐን ነዚ ድማ ኣፍልጦ ንህበን ምባሎም ዝዝከር እዩ።   ኣሜሪካን ቻይናን ዘለወን ኩለ-መዳያዊ ውጥጥን ናይ ኣነ እየ ሓያል ጉያን ሓደ መግለፂ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝእመን እዚ ምስሕሓብ ቻይናውያን ፖለቲከኛታት ንኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ውሽጥና ትኣቱ ኣላ ብዝብል ቅርትኦም እናስምዑ ይርከቡ።   ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝተወለዐን ንኣዋርሕ ዝፀንሐን ዕግርግር ሕቶ ዲሞክራሲ ዝሓወሰ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልፁ።