1.7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዓሶ ንምክልኻል ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ…

7 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ትግራይ 1.7 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ።

 

ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ኬዝ ቲም ምክልኻልን ምእላይን ሕማማት ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅሉ ህዝቢ ምስ ክራማት ተዛሚዱ ናብ ሕማም ዓሶ ከይቃላዕ ዘኽእል ስራሕ ይውገን ኣሎ።

 

በዚ መሰረት እውን ንሕማም ዓሶ ተቓላዓይነት ኣለዎም ዝተብሃሉ 12 ወረዳታት ተፈልዮም ነበርቲ እዚ ወረዳ ንዝኾኑ መራሕቲ ሰድራ ልዕሊ 3 ሚኢቲ ሽሕ ዛንዜራታት ኣብ ምዕዳል ከምዘለዉ ተገሊፁ።

 

ብተወሳኺ እውን ነፀጋ ኬሚካል ፀረ ዓሶ ይካየድ ኣሎ ኢሉ እቲ ቢሮ።