ማሕንቆታት ንግዲን ኢንዳስትሪን ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ…

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ማሕንቆታት ንግድን ኢንዳስትሪን ብምፍታሕ ቅልጡፍ ለውጢ ዘምፅኡ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስትሪን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ማሕንቆታት ዓውዲ ስራሕቲ ንግድን ኢንዳስትሪን ብምፍታሕ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ከምዝስራሕ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ነዚ ዝገለፃ ምስ ሰለስቲኦም ዲኤታታት ሚኒስትር እቲ ዓውዲ ብምዃን ዓውደ ስራሕቲ ንግድን ምፍራይ ኢንዳስትሪን ኣፈፃፅማ ስራሕ መጀመርያ ርብዒ ዓመት 2011ዓ.ምን ኣብ ትልሚ ቐፃሊ 100 መዓልታትን ምስ ማእኸለዎት ኣመራርሓ እቲ ትካል ዘተ ኣብዘሳለጣሉ እዋን እዩ።

እተን ሚኒስትር ምስዚ ኣተሓሒዘን ድማ አቶም ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝተረኸቡ ውፅኢታት መዕገባይ ብዘይምዃኖም ዝነበሩዎም ማሕንቆታት ብምፍታሕ ኣብ ኹሎም ዓውድታት ቅልጡፍ ለውጢ ንምምፃእ ምርጨኦም እቲ ሕብረተሰብ ብኣውሃህባ ኣገልግሎት ምዕጋብ ጥራሕ ክኸውን ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲበን።

ኣብቲ ዘተ ድማ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚን ኣብ ትልሚ ቐፃሊ 100 መዓልታትን ኣድሂቦም ዓሚቅ ዘተ ኣሳሊጦም።

ሪኢቶታትን ሕቶታትን ድማ ቐሪቦም ምላሽ ከምዝተውሃቦም ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ርክብ ህዝብን ኮሙኒኬሽን እቲ ሚኒስትር ፀብፂቡ።