ኣብ ማይጨው ሕክምና መጥባሕቲ ዓፅሚ ይውሃብ ኣሎ…

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ካብ ሃገረ ቤልጀም ዝመፁ ጉጅለ ልኡኽ ፉሉይ ሕክምና መጥባሕቲ ዓጽሚ ኣብ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ግልጋሎት መጥባሕቲ ዓፅሚ ሂቡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት መጥባሕቲ እናሃበ ምፅንሑ ኣብ ኢትዮጵያ መተሓባበሪ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣይተ ኣድሓኖም ደገፋው ኣዘካኪሮም ።

ከም ኣገላልጻ ኣይተ ኣድሕኖም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጅሚሩ ድማ ኣብ ክልልና ኣብ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው እናሃበ ዘሎ ኾይኑ ዛጊድ ኣብ ዘካየዶ 3 ዙራት ድማ ልዕሊ 200 ወገናት ተጠቀምቲ ኾይኖም ኣለዉ።

መካየዲ ስራሕ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ኣይተ ኪዱ ተክሉ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ሆስፒታል ነጻ ግልጋሎት መጥባሕቲ ምሃቡ ስዒቡ ጽጉማት ወገናት ዝለዓለ ገንዘብ ወጻኢ ዝሓትት ግልጋሎት ሕክምና ብዘይ ዝኾነ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ቐረበኦም ተሓኪሞም ካብ ዝነበሮም መጉዳእቲ ኣካል ካብ ምንጋፍ ብዝሰገረ ንሰብ ሞያ ትካልና እውን ዝልዓለ ተሞኩሮ ዘስነቐ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ግልጋሎት ዝረኸቡ ዘዘራረብናዮም ተስፋይ ጌታቸውን መንገሻ ከበደን ድማ እቲ ዕዱል ብምርካቦም ካብ ዝነበሮም መጉዳእቲ ኣካል ተናጊፎም መፍረይቲ ንክኾኑ ልዑል ተስፋ ከምዘለዎምን በዚ ድማ ኣእዝዮም ሕጉሳት ከምዝኾኑን ገሊጾም።