ዘተ ሰላም ኣፍጋኒስታን ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) እዚ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዓመፅ ውድብ ታሊባንን ንምትዕራቅ ዝዓለመ ኮይኑ ብኣሰናዳእነት ሩስያ ኣብ ከተማ ሞስኮ ይሳለጥ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብዚ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ተራኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ እዚ ዘተ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ተቋዋሚ ውድብ ታሊባንን ቐጥታዊ ዘተ ከሳልጡ ወሳኒ ግደ ኣለዎ።

ሃገሮም ሩስያ እውን መንግስትን ተቋወምቲ ውድባት ኣፍጋኒስታንን ተራኺቦም ዘለዎም ኣፈላላይ ብምፅባብ ኣብ መፃኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ከምትሕግዝ ገሊፆም።