መረፃ ሊብያ ኣብ 2019 ክሳለጥ እዩ…

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ሃገራዊ መረፃ ሊብያ ኣብ መጀመርታ 2019ዓ.ም ፈረንጂ ከምዝጅመር ተሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሊብያ ጋሳን ሳላሜ ኣብታ ሃገር ዝሳለጥ መረፃ ኣብ መጀመርታ 2019ዓ.ም ፈረንጂ ከምዝካየድ ገሊፆም።

ነበር መራሒ እታ ሃገር መሓመድ ጋዳፊ ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምእላዮም እታ ሃገር ኣብ ኹናት ሕድሕድ ጥሒላ ከምዘላ ፀብፃባት ይገልፁ።

ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ ሊብያን ተቋወምቲ እታ ሃገርን ኣብ ፓሪስ ተራኺቦም ኣብታ ሃገር መረፃ ክሳለጥ ኣብ ስምምዕ ምብፀሖም ዝዝከር እዩ።