ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ደቀቅትን ኣናአሽትን ትካላት ንግዲ ዝተዋፈሩ ወገናት 9.2ሚልዮን ቅርሺ ዓቒሮም

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ ዝተዋፈሩ 289 ወገናት 9.2 ሚሊዮን ቕርሺ ዓቚሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግድን ምርግጋፅ ውሕስነት መግብን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረ ሩፋኤል ገብረ ሂወት ከምዝገለፁዎ ኣብታ ከተማ ከይዲ ዕደላ ልቓሕ ገንዘብ ብሚዛን ዕቋር እንዳተዓቀነ ክኸይድ እንዳተገበረ እዩ።

ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ ዝተዋፈሩ ነበርቲ ‘ታ ከተማ ገንዘብ ናይ ምዕቛር ልምዶም ንክዓቢ ብዝተገበረ ፃዕሪ ሐዚ ዓበይቲ ለውጥታት ይምዝገቡ ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣይተ ገብረ ሩፋኤል ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ ትሸዓተ ነጥቢ ኽልተ ሚሊዮን ቕርሺ ብ289 ወገናት ከምዝተዓቖረ ሓቢሮም።

ኣብታ ከተማ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ፍቓዱ ተኽለን ዳናይት ኣብርሃን በቢወርሑ ካብ ዝረኽቡዎ እቶት ሰላሳ ሚኢታዊ ብምንካይ ይዓቑሩ ብምህላዎም ዓውደ ስራሕቶም ከስፍሑ ዘኽእል ዓቕሚ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።